200 ልዑል ናይ ምዕባይ ዓቕሚ ዘለዎም ሓሳባት ንግዲ ፈጠራ ንምብቃዕ ውድድር ተዳሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ 200 ልዑል ናይ ምዕባይ ዓቕሚ ዘለዎም ሓሳባት ንግዲ ፈጠራ ንምብቃዕ ዝዓለመ ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ውድድር ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ምስ ማስተርካርድ ፋውንዴሽን ብምትህብባር ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ውድድር ብሩህ ሓሳባት ፈጠራ ስራሕ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝተፈላለዩ ቁልፊ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ሓሳባት ዘፈልፍሉን ንብዙሓት ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ መናእሰይ ንምብርትታዕን ዕድል ንመሃብን ዝተዳለወ ዓመታዊ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ መርሃ ግብሪ ብመናእሰይ ዝርርሑ ኢንተርፕራይዘዛት ንምፍጣርን ንምብቃዕን ተሓሲቡ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ተኸታተልቲ ዓማውቲ ዝፀንሕ ስልጠና እንትኸውን፥ ስልጠና፣ መበገሲ ገንዘብን ጥንኩር ግልጋሎት ልምዓት ንግዲ ብመሃብ ብቑዓት  ንኽኾኑ ናይ ምግባር ዕላማ ዝተሓንገጠ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ እውን 500 ሓሳባት ብምምልማል ፍሉይ ፍልጠትን ልምዲን ብዘለዎም ኣሰልጠንቲ ንሓደ ወርሒ ኣብ ሓደ ቦታ ብምስልጣንን ብምውድዳርን ብመሰረት መለክዒ እቲ ውድድር ተዓወትቲ ንዝኾኑ 300 ሓሳባት ስራሕ ንኽጅምሩ መበረታትዒ ሽልማት ከምዝወሃብ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ባሬታ የረድእ።

ካብ ዝሽለሙ 300 ሓሳባት ድማ 200 ዝኾኑ ናብ ፕሮግራም መበረታትዒ ሓሳባት ንግዲ ክኣትዉ ኢዮም ተባሂሉ።

በቲ ዝተቐመጠ መርሃ ግብሪ ምዝገባ ቀዳማይ ዓመት ውድድር ካብ 1 ክሳብ 30 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ www.bruh-et.com ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ብምምላእ ወይ ድማ ብኣካል ኣብ ቀረበኦም ኣብ ዘሎ ቢሮ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ከተማ ብምእታው ከመልክቱ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment