20 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ዝኾን ስርናይ ናብ ክልል ትግራይ ተጓዒዙ – ኮሚሽን ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብምውዳድ እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስተንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ 20 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ዝኾን ስርናይ ናብ ክልል ትግራይ ተጓዓዒዙ ኢዩ፡፡

ዕድጊት ንምባር በጀት ዝመደበ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንትኸውን፥ ፕሮግራ ምግቢ ዓለም ድማ እቲ ዕድጊት ብምክያድ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ብመሃብ እቲ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ማእኸለር መኽዘኒ መቐለ ንኽበፅሕ ተገይሩ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንዝደሊዩ ወገናት ሓገዝ ናይ ምቕራብ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም፡፡

ክሳብ ሕዚ ድማ ሓገዝ ካብ ዘድሊዮም ልዕሊ 2 ሚሊየን ንዝኾኑ ሓገዝ ዝቐረበ እንትኸውን፥ ናብ ዝተረፉ ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ብሓፈሻ 300 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ስርናይ ንምግዛእ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ እቲ 200 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ስርናይ ዕድጊት ተፈፂሙ 19 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ተጓዓዒዙ ናብ ውሽጢ ዓዲ ምእታዉ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment