20 ሜጋ ዋት ሓይሊ ሃፋ ከርሰምድሪ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሮጀክት ኳዕቲ ከርሰ ምድሪ ሃፋ ኣሉቶ ላንጋኖ ክሳብ ሕዚ20 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ መካየዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት መሳይ ፍቃዱ ከምዝገለፁዎ÷ ክሳብ ሕዚ ብ ዝተዛዘሙ ኳዕቲታትን ፍተሻ ፍርያት ካብ ዝተገበረሎምን ሓሙሽተ ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ኣብ ኣርባዕቲኦም 20 ሜጋ ዋት ሓይሊ ሃፋ ተረኺቡ፡፡

ጥልቀት እቶም ጎዳጉዲ ካብ 2 ሺሕን 700 ክሳብ 3 ሺሕ ሜትሮ ከመዝበፅሕ ብምሕባር÷ ስራሕቲ ኳዕቲ 6ይን 7ይን ጎዳጉዲ እናተሳለጠ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ስራሕ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን መጠን ሃፋን ፅት ተበፃሕነትን እቲ ከርሰ ምድሪ ኣብ ምርግጋፅ እናተኻየደ ከምዝኾነ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment