2 ጳጉሜን ናይ ሪፎርም ዕለት

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) “ሪፎርም ንዝለዓለ ኣገልግሎት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 2 ጳጉሜን 2 ናይ ሪፎርም ዕለት ብብርኪ ሃገር ይኽበር ኣሎ።

ከም ሃገር ዘጋጠሙ ናይ ፖለቲካ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ስብራታት ንምፅጋን ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምርግጋፅ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ሰፋሕቲ ናይ ሪፎርም ስራሕቲ ተጀሚሮም ኢዮም።

ካብዚኦም ሓደ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ሃገር ቦቆል ናይ ኢኮኖሚ ፖሊሲ ሪፎርም ቀሪፁ እንትትግብር ፀኒሑ ኢዩ፤ በዚውን ንሃገር ዘድሓነ ውፅኢት ተረኺቡ።

ይዛዘም ኣብ ዘሎ ዓመት መወዳእታ ናይ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ሪፎርም ኣካል ዝኾነ ዝተማልአ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ፖሊሲ ምምሕያሽ ገይርና ኢና።

እቲ ናይ ፖሊሲ ምምሕያሽ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ኢኮኖሚ ስብራት ብምፅጋን ኣብ ከይዲ ናህሪ ናብራን ፅዕንቶ ዕዳን ንምቕናስ፣ ናይ ክፍሊት ሚዛን ምዝባዕ ፀገማት ንምፍታሕ፣ ናይ በጀት ጉድለት ንምስትኽኻልን ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምክልኻል መፍትሒ ይኸውን ኢዩ።

እቲ ናይ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ንክዕወት ናይ ውሽጢ ዓዲ ኣታዊን ቁጠባን ምዕባይ፣ ፍሪያት ምስሳንን ምምሕያሽን ኣዝዩ የድሊ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment