2 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ዘኽእል ቅድመ ምድላው ይስራሕ ኣሎ – ዞባ ደቡብ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ጎና ጎኒ ምክልኻል ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና 2 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ዘኽእል ቅድመ ምድላው እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ሓላፊ መምርሒ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃይለ ታደለ ከም ዝበልዎ፥ ብብርኪ ዞባ ካብ መወዳእታ 2012 ክሳዕ 2013 ዓ.ም 143 ሽሕን 326 ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ብምሽፋንን መፍረያይነትን ፍሪያትን ዘዕብዩ ስራሕቲ ብምስራሕን 2 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ይስራሕ ኣሎ።

ሓረስቶት ቕድሚ ምምፃእ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝተወሃቦም ናይ መፍረያይነት ስልጠና ሒዞም ኣካላዊ ርሕቐቶም ብምሕላው እታዎታት እናወሰዱ ከምዝርከቡ እውን ኣገንዚቦም።

ሰብ ሞያታት ሕርሸ ድማ ንለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብዘየቃልዕ መልክዑ ንክላስተራት መፍረይቲ ሓረስቶት በቢ 10 ስልጠና እናሃቡ፣ እናሓገዙን እታዎታት እናካፋፈሉን ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት ከም ዞባ 76 ሽሕን 915 ኩንታል ዝኣክል ዘበናዊ ሰብ ስራሕ ድኹዒን 6 ሽሕ ኩንታል ሙሩፅ ዘርኢን ናብ ሓረስቶት ንምትትታው ስራሕቲ ከምዝተጀመረ ዝገለፁ ኣይተ ሃይለ፥ ኣብቲ ዞባ ንዘጋጥሙ ሓደጋታት ባልዕን ፃህያይን ንምክልኻል ኣንፈታት ተታሒዙ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብፍላይ እቲ ካብ መጀመሪያ 2012 ዓ.ም ጀምሩ ብተደጋጋሚ እናጋጠመ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ቀፃሊ እውን ብዚተዓፃፀፈ መልክዑ ክመፅእ ከም ዝኽእል መፅናዕቲታት ይሕብሩ ስለ ዘለዉ እዚ ከም መንግስቲን ህዝቢን ብሓባር ክምከት ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ነዚ ዝመርሕ ካብ ክልል ክሳዕ ወረዳ ናይ ባዕሉ ግብረ ሓይሊ ከምዝተቐመጠ እውን ኣብሪሆም።

ሓረስቶት ከም ሕሉፍ ዓመት በቲ ሓደ ገፅ ንተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና እናተኸላኸሉ በቲ ካልእ ገፅ ድማ መፍረያይነትን ፍርያትናን እናዕበዩ ስራሕቶም ከደንፍዑ ከምዝግባእ እቶም ሓላፊ ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፡- ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment