2 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ንዋገኦም ፍሪያታት ብፍሪያታት ውሽጢ ዓዲ ምትካእ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፊ 10 ኣዋርሕ 2 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ንዋገኦም ፍሪያታት ብፍሪያታት ውሽጢ ዓዲ ምትካእ ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ተዛሪቦም።

ገምጋም ኣፈፃፅማ 100 መዓልታት 2016 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተሳሊጡ።

ኣይተ መላኩ ኣለበል፥ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ብ10 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘርኣየ ገሊፆም።

እዚ ድማ 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ሃገራዊ መዕባለ ኢኮኖሚ ምዕዋት ከምዘኽእል መርኣያ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓማውቲ ብተኸታታሊ ዝተተግበረ ጎስጓስ “ኢትዮጵያ ተፍሪ” ነቲ ዓውዲ ምንቕቓሕ ልዑል ግደ ነይርዎ ኢሎም።

ኣብቲ ዓውዲ ሓደሽቲ ኢንቨስትመንታት ብምስሓብ ኣብ ዝሓለፊ 10 ኣዋርሕ 129 ግዙፋት ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ምእታዎም ኣብሪሆም።

Comments (0)
Add Comment