2 ሺሕ ኪሎ ዋት ዘፈልፍል ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ሊበን ወረዳ ቆልማዮ 2 ሺሕ ኪሎ ዋት ዘፈልፍል ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ተመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)፣ ዋና መካየዲ ስራሕ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሽፈራው ተሊላ (ኢ/ር)፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ከምኡ እውን ካለኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ዘኹርዕ ስራሕቲ ምስራሕ ከምዝተኽኣለ ብምሕባር ነዚ ድማ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ መርአዪ ኢዩ ኢሎም፡፡

ብብርኪ ኢትዮጵያ ፍልፍል ሓይሊ ፀሓይ ምጥቃም ንሕብረተሰብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ተበፃሒ ንምግባር ብፍሉይ ኩነታት እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም፡፡

ብዘቢብ ተክላይ

Comments (0)
Add Comment