2 ሺሕ ማእኸላት ጥዕና ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ 2 ሺሕ ማእኸላት ጥዕና ንምህናፅ ኣርባዕተ ትካላት ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምስነት ዝፈረሙ ትካላት÷ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ዩኒቨርሲቲ ቦንጋን ምሕዝነት ንልምዓት ሩስያ ፓን- ኣፍሪካ ፐብሊክ ፕራይቬት ዝተብሃለ ግብረ ሰናይ ትካልን ኢዮም፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት እቲ ፕሮጀክት ንሓሙሽተ ዓመታት ከምዝፀንሕን 2 ሺሕ ማእኸላት ጥዕና ንምህናፅ ከምዝስርሑ ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ደረጄ ዱጉማ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

እተን ማእኸላት ብዋናነት ኣብ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን፣ ኣረጋውያን፣ መናእሰይ ከምኡ እውን ኣብ ወሊድ፣ ክታበት፣ ምጣነ ስድራን ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ትኹረት ብምግባር ከምዝሰርሓ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment