2 ሚነሊየን ሽኮር ናብ ውሽጢ ሃገር የኣቱ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝመፅ ሓዱሽ ዓመት ሕፅረት ሽኮር ከየጋጥም ብብል ክልተ ሚሊየን ሽኮር ተገዚኡ ናብ ሃገር እናኣተወ ምዃኑሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሕብረተሰብ ዝህሉ ልዑል ጠለብ ሽኮር ንምምላእ ሕፅረት ቀረብ ከይህሉ ብዝብል ክልተ ሚሊየን ዕድጊት ሽኮር ተፈፂሙ ናብ ውሽጢ ሃገር እናኣተወ ከምዝኾነ ኢዮም ኣብቲ ሚኒስቴር ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ኣይተ ወንድሙ ፍላቴ ዝገለፁ።

መሰረታዊ ድሌት ምግቢ ዝኾነ ፍርያት ሽኮር ኣብ ውሽጢ ዓዲ እናፈረየ ንሕብረተስብ ዝከፋፈል እንትኸውን፥ ጠለቡ ካብ ኣቕርቦቱ ንላዕሊ ኣብዝኾነሉ እዋን ድማ ካብ ወፃኢ እናተገዝአ ዕዳጋ ሽኮር ኢትዮጵያ ብምርግጋዕ ሕብረተሰብ ዝደሊዮ መጠን ሽኮር ንኽረክብ ምስ ኮርፖሬሽን ብምትሕብባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ሓላፊ ክትትል ቀረብን ዌር ሃውስን ኮርፖሬሽን ሽኮር ኢትዮጵያ ኣይተ ደሳለኝ ተሰማ ብግደኦም፥ እቲ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዘኣቱ ዘሎ ሽኮር ከምዘሎ ኮይኑ ንዝቕፅሉ ክልተ ኣዋርሕ ዝኸውን እኹል ዝተኸዘነ ሽኮር ስለዘሎ ሕፅረት ከጋጥም ከምዘይኽእል ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ይኹን እመበር ዘይሕጋውያን ነጋዶን ደለልቲን ፍርያት ብምሕባእ፣ ዋጋ ክውስኽን ዕዳጋ ንኽናጋዕን ብምግባር ሕፅረት ክፍጠር ክገብሩ ስለዝኽሉ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ክስርሑ ኢዮም ክብሉ ኣይተ ወንድሙ ፍላቴ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment