2 ሚሊየን ኩንታል ሽኮር ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ወፃኢ ክኣቱ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)2 ሚሊየን ኩንታል ሽኮር ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ወፃኢ ከምዝኣቱ ኢንዱስትሪ ግሩፕ ሽኮር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ንመዕደጊ ዝኸውን 110 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ከምዝተገበረ እውን ተገሊፁ፡፡

እቲ ሽኮር ካብ ብራዚል ከምዝተገዝአ ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ክፍሊ ተሳትፎን እቲ ግሩፕ ረታ ደመቀ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

እቲ ፍርያት ሽኮር ብኣርባዕተ ዙር ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም፡፡

ምስ ዕድጊት ተተሓሒዙ ብወገን እቲ ትካል ዘለዉ ስራሕቲ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተዛዘሙ ኣረጋጊፆም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment