2ይ ዝተዋደደ ምላሽ ማዕቐፍ ሕጊ ጉዳይ ፍልሰተኛታት ኢጋድ ዝተመልከተ ዓውደ መፅናዕቲ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)2ይ ዝተዋደደ ምላሽ ጉዳይ ፍልሰተኛታት በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ማዕቐፍ ሕጊ ዝተመልከተ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኢጋድ ቀዳማይ ጉዳይ ምላሽ ማዕቐፍ ሕጊ ፍልሰተኛታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2015 ክሳብ 2020 ተግባራዊ እናገበረ ፀኒሑ ኢዩ።

ዳይሬክተር ልምዓት ጥዕናን ማሕበራዊን ኢጋድ ፈቲሃ ኣልዋን÷ ጉዳይ ፍልሰተኛታት ዝተሓላለኸ ብምዃኑ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዝጠልብ ገሊፀን።

እቲ ዞባ ጉዳይ ፍልሰተኛታት ተተሓሒዙ ካብ ዘለዎ ፀገም ንኽወፅእ ካልኣይ ዝተዋደደ ማዕቐፍ ሕጊ ወሳንነት ከምዘለዎ እውን ኣገንዚበን።

ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ጥምረት ምትሕብባር ኣብርሃም ኣያሌው÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ፍልሰተኛታት ብዝተዋደደ መልክዑ ንምምራሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ጉዳይ ፍልሰተኛታት ብዝምልከት÷ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ማዕቐፋት ሕጊ ብምስንዳእ እናሰርሐት ከምዝኾነት እውን ገሊፆም።

ብምስክር ስናፍቅ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment