191 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ዕዳ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብምስራዝ ናብ ካፒታል ንክዛወር ተገይሩ

አዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝተወሰደ 191 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ዕዳ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብምስራዝ ናብ ካፒታል ንክዛወር ተወሲኑ።

ናይ ገንዘብ ሚኒስቴር፣ ናይ መንግስቲ ዕዳን ሃፍቲን ምምሕዳር ኮርፖሬሽን፣ ናይ ኢትዮጵያ ንግዲ ባንኪን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ሎሚ መዓልቲ ኣርባዕቲኣዊ ስምምዕነት ገይሮም።

በዚውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ካብ 2004 ክሳብ 2006 ዓ.ም ካብ ንግዲ ባንኪ ዝወሰዶ ዕዳ ከምኡውን ኣብ 2017 ዝወሰዶ ልቓሕ ብኽፋል ናብ ካፒታል ንክዞረሉ ተወሲኑ።

እቲ ትካል ድሕሪ 2017 ካብ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ዝተረፈ ልቓሕ ግን ባዕሉ ከምዝኸፍል ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment