19 ሃገራት ኣፍሪካ ዝተሳተፉሉ ጉባኤ ዲጂታል ስርዓት ሓበሬታ ጥዕና ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይን ኣብ ዲጂታል ስርዓት ሓበሬታ ጥዕና ማሕበረሰብ ዘድሀበን ጉባኤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ካብ 19 ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ኣብ ዲጂታል ጥዕና ዝሰርሑ ኣመራርሓታትን ሰብ ሞያን ከምኡ እውን መሓዙት ትካላት ተሳቲፎም፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶ/ር ኣየለ ተሾመ ኣብ ዝገበሩዎ መኽፈቲ መደረ÷ ብኤሌክትሮኒክስ ዝተሓገዘ ስርት ሓበሬታ ጥዕና ማሕበረሰብ ንዓውዲ ጥዕና ዓብዪ ግደ ከምዘበርከተ ኣልዒሎም፡፡

ብፍላይ ንማሕበረሰቡ፣ ንሰራሕተኛታት ኤክስቴንሽን ጥዕና፣ ንሰብ ሞያ ጥዕናን በቢብርኩ ንዝርከቡ ኣመራርሓን ዝሐሸ ኣገልግሎት ጥዕና ንኽህቡ ከምዘኽኣለ ተዛሪቦም።

Comments (0)
Add Comment