172 ፍልሰተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)172 ፍልሰተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመለሱ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን እቲ ኤምባሲ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት (ኣይ ኦ ኤም)ን ብሓባር ብሰለስተ ዙር 172 ስሩዓት ዘይኮኑ ፍልሰተኛታት ብኣውሮፕላንን ብባቡርን ናብ ሃገሮም ክምልሱ ከምዝኸኣሉ ተሓቢሩ።

መገዲ ኢትዮ-ጅቡቲ-የመን ኣዚዩ ሓደገኛ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ብምኽንያት ዶብ ተሳገርቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዜጋታት ንመውቃዕቲ፣ ምንግልታዕ፣ ዘረፋን ሞትን እናተቓልዑ ከምዝርከቡ እቲ ኤምባሲ ኣገንዚቡ።

Comments (0)
Add Comment