ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ሰላም ንክነግስ ግደኣ ትዋፃእ ከምዘላ ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም

ዲስ ኣበባ ፣ 9 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር  ጉዳያት ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ መበል 986 ዘተ ቤት ፅሕፈት ኣለዋ ፀፅታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪካ ተሳቲፎም።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ ብኢንተርኔት ዝተገበረ ዘተ፥ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ሰላም ንክነግስ ግደኣ ትዋፃእ ከምዘላ ገሊፆም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዓቃቢ ሰላም ብምውፋር መስዋእትነት ንዝኸፈሉ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም እውን ዘለዎም ክብሪ ገሊፆም።

ኣብ ልእኾ ምኽባር ሰላም ዝምደብ ኣቕርቦት ፋይናንስን ሎጂስቲክስን ምቕናስ እቶም ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ብምዃን ስርሖም ንክዓሙ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ንኮቪድ 19 ፍሉይ ትኹረት ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ንተግባራት ህንፀት ዓቕሚ፣ ኣብ ምኽባር ሰላም ንዘለዋ ደቂ ኣኒስቲዮ ተሳትፎአን ንምዕባይ ዘኽእሉ ተግባራት ምፍፀፃም ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment