14 ነጥቢ 3 ሄክታር መሬት ንሊዝ ጨረታ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 14 ነጥቢ 3 ሄክታር መሬት ንሊዝ ጨረታ ኣቕሪቡ፡፡

እቲ ሊዝ ጨረታ ካብ 8 ክሳብ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ክፍቲ ከምዝተገበረ ቢሮ ልምዓት መሬት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

መግለፂ ዝሃቡ ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ምምሕልላፍ ዝለምዐ መሬትን ክትትል ሊዝን ጫሊ ኣብርሃም÷ ካብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ወፃእ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ንጨረታ ዝቐረቡ መሬታት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ካብ 2016 ዓ.ም ንደሓር ራብዓይ እንትኸውን÷ ኣብዚ ዙር ጥራሕ ብሓፈሻ ዝቐረበ 143 ሺሕን 140 ካሬ ሜትር ቦታ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ መጠን ኣብ ታሪኽ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብቑፅሪ ዝለዓለ ኢዩ ተባሂሉ።

Comments (0)
Add Comment