138 ኣባላትን ኣመራርሓን ጉጅለ ራዕዲ ሸኔ ተማሪኾም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ኣዛዚ ቀጠና ደቡብ ሓዊሱ 138 ኣባላትን ኣመራርሓን ጉጅለ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ተማሪኾም።

እቲ ጉጅለ ንረብሓ ህዝቢ ሰርሕ ኣለኹ ካብ ዝብል መደናገሪ ሓሳቡ ብተፃራሪ ደው ዝበለን ስቓይ ህዝቢ ዘናውሕን ግብረ ራዕዲ እናኾነ ምምፅኡ ናብ ብርኪ ምብትታን የብፅሖ ከምዘሎ እቶም ምርኮኛታት ተዛሪቦም።

ምርኮኛ ምክትል ኣዛዚ  መሃመድ አሜ÷ እቲ ግብረ ራዕዲ ሓላፍነት ብዝጎደሎ መገዲ ህዝብታት ንመከራ፣ እቲ ቀጣና ውን ንስእነት ሰላም ከምዘቃልዖ ኣብ ከይዲ ብምግንዛቡ ቃልሱ ንምቁራፅ ከምዝተገደደ ምዝራቡ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

መንግስቲን ትካላት ፀፅታን ዝወስድዎ ዘለዉ ዝተጠናኸረ ወፍሪ ሸኔ ምስ ዘለዎ ውሽጣዊ ፀገም ተደሚሩ እቲ ጉጅለ ዓቕሙ ከምዝተመናመነ እቶም ምርኮኛታት ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment