መንግስቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዞባ መተከል ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ብዝተተሓሓዘ ኢዶም ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣመራርሓታት ኣብ ቁፅፅር የውዕእል ከምእዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዞባ መተከል ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ብዝተተሓሓዘ ኢዶም ኣለዎም ዝተብሃሉ ላዕለዎትን በቢብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓታትን ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ምውዓል ጀሚሩ። 

እቶም ተጠርጠርቲ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ዘይተዋፅኡ እንትኾኑ ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ 5 ኣመራርሓ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ፡-

1. ኣይተ ቶማስ ኩዊ፡-ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ፌዴሪኢ

.2 ኣይተ ኣድጎ አምሳያ፡- ነበር ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል 

3. ኣይተ ሽፈራው ጨሊቦ፡- ነበር ዳይሬክተር ኤጀንሲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን እቲ ክልል 

4. ኣይተ ባንዲንግ ማራ፡- ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ዞባ መተከል 

5. አረጋ ባልቢድ፡- ነበር ኣመራርሓ ዞባ መተከል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ 

 

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

 

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

 

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

 

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment