ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ክማልኡ ዝግበኦም ሰነዳት ዘየማልኡ 26 ፓርቲታት ፖለቲካ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኩሎም ፓርቲታት ፖለቲካ ክማልኡዎም ዝግብኡ መለክዒታት ከማልኡ ብፅሑፍ ንኽበፅሐም ይግበር እምበር ክማልኡ ዝግበኦም ሰነዳት ዘየቕረቡ 26 ፓርቲታት ፖለቲካ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትጵያ፥ ኣዋጅ ቁፅሪ 1162/2011ን ኣብቲ ቦርድ ፓርቲታት ከማልኡዎም ዝግብኡ ግቡኣት ዝድንግግ መምርሒን መሰረት ብምግባር ውሳነታት ሂቡ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅን መምርሒን ዝተመዝገቡን ኣብ ከይዲ ዘለዉን ፓርቲታት፥ ኣብቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ዝተቐመጡ መለክዒታት ምምለኦም ናይ ምፅራይ ስራሕ እናሳለጠ ከምዝነበረ እቲ ቦርድ ገሊፁ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ምፅራዩ ዘመሓላለፎ ውሳነ ሙሉእ ትሕዝቶ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

1- ኩሎም ፓርቲታት ፖለቲካ ክማልኡዎም ዝግብኡ መለክዒታት ከማልኡ ብፅሑፍ ንኽበፅሐም ከምኡ እውን ከምፅኡዎ ዝግባእ ተወሳኺ ክታም መስረትቲ ቁፅሪ ብምፅራሕ ከቕርቡ ተሓቲቶም፡፡

2- ሞንጎ ኣባላት መስረጥቲ ዘቕረቡ ፓርቲታት ሳምፕል ብምውሳድ ኣብ ኩለን ክልላትን ወረዳታትን መስረትቲ ኣባላት ናይ ምፅራይ ስርሕቲ ሰሪሑ፡፡

እቲ ስራሕ ብጨንፈር ቤት ፅሕፈታት ክልል እቲ ቦርድ ኣቢሉ ዝተሰርሐ እንትኸውን፥ ብመሰረት ዝገበሮ ምፅራይ ድማ ኣብ ኩለን ወረዳታት ሰብ ሞያታት እቲ ቦርድ ብኣካል ተረኺቦም ናይ ነባርነት መረጋገፂ ንምሃብ ስልጣን ምስ ዘለዎም ምምሕዳር ኣካላት ብምትሕብባር ሓቃውነትን ትኽክለኛነትን መስረትቲ ኣባላት ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብ ከይዲ ምፅራይ ዘጋጠሙ ፀገማት

  • ሓበሬታታት ብትኅል ተማሊኦም ዘይምምፀኦም
  • ኣተሓሕዛ መረዳእታ ታሕተዋይ ብርኪ ምምሕዳር ትሁት ምዃኑ ነዊሕ እዋን ምውሳዱ
  • ብወገን ፓርቲታት ዝተጓሉ ሓበሬታታት እንትህልዉ ኣብ ሓፂር እዋን ኣማሊኦም ዘይምቕራብ
  • ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተበገሰ ሕፅረት ሰራሕተኛታት በቲ ቦርድ ክማልኡ ዝግበኦም ነገራት ብቕልጡፍ ምዝዛም ዘይምኽኣል

ብመሰረት እዚ ከይዲ ምፅራይ ነዊሕ እዋን ካብ ምውሳዱ ብተወሳኺ ኣብቲ ከይዲ ዝተረኸበ ውፅኢት ቦርድ መረፃ ብዝደለዮ መገዲ ክኸውን ኣይከኣለን፡፡

ካብዚ ብምብጋስ ድማ ልዕሊ 35 ሚኢታዊ መስረትቲ ኣባላቶም ክታሞም ትኽክል ዝኾኑ ፓርቲታት ምዝገበኦም ንምፅዳቕ ዝወሰነ እንትኽውን ትሕቲ 35 ዝኾኑ ፓርቲታት ግን ንኽስረዙ ወተወሲኑ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ፥ መረዳእታ ክታም መረጋገፂ ኣባላት መስረትቲ ትሕቲ 35 ሚኢታዊ ብምዃኖም ዝተሰረዙ ዝርዝር ፓርቲታት ፓርቲታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

  1. ህልውና ኣማራ ንሓድነት ኢትዮጵያ – ክታም መረጋገፂ ኣባላት መስረትቲ ኣመልኪቱ ብዝተገበረ ምፅራይ 24% ዝረኸበ
  2. ፓርቲ ፌዴራል ዴሞክራሲ ለውጢ ሓድነትን ሰላምን ኦሮሞ – ክታም መረጋገፂ ኣባላት መስረትቲ ኣመልኪቱ ብዝተገበረ ምፅራይ 25% ዝረኸበ
  3. ግምባር ናፅነት ኦቦ ኦሮሞ – ክታም መረጋገፂ ኣባላት መስረትቲ ኣመልኪቱ ብዝተገበረ ምፅራይ 10% ዝረኸበ
  4. ግንባር ሓድነት ናፅነት ኦሮሞ- ክታም መረጋገፂ ኣባላት መስረትቲ ኣመልኪቱ ብዝተገበረ ምፅራይ 4% ዝረኸበ
  5. ግምባር ሕቡራት ናፅነት ኦሮሞ – ክታም መረጋገፂ ኣባላት መስረትቲ ኣመልኪቱ ብዝተገበረ ምፅራይ 33% ዝረኸበ
  6. ዴሞክራሲያዊ ግንባር ናፅነት ኦሮሞ – ክታም መረጋገፂ ኣባላት መስረትቲ ኣመልኪቱ ብዝተገበረ ምፅራይ 24% ዝረኸበንበቲ ቦርድ ብዝሃቦ ገደብ እዋን ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዘይምክያድን
  7. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ናፅነት ኦሮሞ- ክታም መረጋገፂ ኣባላት መስረትቲ ኣመልኪቱ ብዝተገበረ ምፅራይ 14% ዝረኸበን ቦርድ ብዝሃቦ ገደብ እዋን ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዘይምክያድን
  8. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያውያን- ክታም መረጋገፂ ኣባላት መስረትቲ ኣመልኪቱ ብዝተገበረ ምፅራይ 23% ዝረኸበ
  9. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ብሄረሰብ ዱቤና ደገኒ- ክታም መረጋገፂ ኣባላት መስረትቲ ኣመልኪቱ ብዝተገበረ ምፅራይ 5% ዝረኸበ
  10. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣገው- ክታም መረጋገፂ ኣባላት መስረትቲ ኣመልኪቱ ብዝተገበረ ምፅራይ 19% ዝረኸበ
  1. ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ኦሮሞ- 18% ዝረኸበ
  2. ብሔራዊ ምንቅስቓስ መላእ ኢትዮጵያውያን- 28% ዝረኸበ
  3. ብሔራዊ ኮንግረስ ኦሮሞ – 18% ዝረኸበ
  4. የኦሮሚያ ነፃነት ብሔራዊ ፓርቲ ናፅነት ኦሮሚያ – 19% ዝረኸበ
  5. ሕብረት ንዴሞክራሲያዊ ናፅት – 17% ዝረኸበ
  6. የሱማሌ አርበኞች ፓርቲ ሓርበኛታት ሱማሌ – 17% ዝረኸበ
  7. ወያናይ ፓርቲ ዓፋር- 9% ዝፈረኸበ
  8. የሱማሌ ክልላዊ ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ክልላዊ ሱማሌ – 3% ዝረኸበ
  9. ምኽክር ንሓድነትን ዴሞክራሲ ፓርቲ – 32% ዝረኸበ
  10. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ወይኽምረ- 33% ዝረኸበ

ካብ ትኽክለኛነት መረጋገፂ መስረትቲ ኣባላት ወፃኢ ብዝኾነ መለክዒ ዝተሰረዙ

  1. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ሰላማዊት ኢትዮጵያ
  2. ሓድነት ንዲሞክራሲን ፍትሒን ፓርቲ
  3. ብሄራዊ ምንቅስቓስ ህብረ ህዝብ ኢትዮጵያ
  4. ውድብ ነፀብራቕ ኣምሓራ
  5. ዴሞክራሲያዊ ሓድነትን ፍትሂን ህዝቢታት ፊንፊኔ
  6. ምንቅስቓስ ሪቫይቫል ሃረሪ

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት መብርሂ ንኽህቡ ወይ ድማ ኣማሊኦም ንኸቕርቡ ዝተወሰነሎምን ከይዲ ምፅራይ ዘይተዛዘመሎምን ፓርቲታት፦

  1. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ህብር ኢትዮጵያ
  2. ዴሞክራሲያዊ ውድብ ሃረሪ
  3. ግምባር ፓርቲ ናፅነት ዓፋር
  4. ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጉሙዝ
  5. ፓርቲ ፓርቲ ህዝቢ ዓፋር
  6. ብሔራዊ ፓርቲ ኦሮሚያ
  7. ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያዊያን ( መኢአድ)
  8. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ጋሞ
  9. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ህዝቢ ወለኔ
  10. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ መላእ ኦሮሞ
  11. ብሔራዊ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ሲዳማ
  12. ብሄራዊ ግምባር ናፅነት ኦጋዴን (ኦብነግ)

ከይዲ ምፅራዮም ዝተዛዘመ ፓርቲታት ዝርዝር

  1. ምንቅስቓስ ናፅነት ኦሮሞ – 51%
  2. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ቅማንት – 57%
  3. ምንቅስቓስ ሓርነት ሲዳማ -78%
  4. ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢ ጌዲዮ – 93%
  5. ምንቅስቓስ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ህዝቢታት ጋምቤላ – 91%
  6. ዴሞክራቲክ ሕብረት ኢትዮጵያ – 48%
  7. ዴሞክራቲክ ፓርቲ ምዕራብ ሶማሌ – 97%
  8. ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ – 69%
  9. ሸንጎ ብሄራዊ ሸንጎ ኣገው – 45%
  10. ሓምለዋይ ፓርቲ ካፋ – 61%
  11. ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝቢ ጋምቤላ – 94%
  12. ግምባር ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት ዓፋር- 49%
  13. ፓርቲ ናፅነት ኢትዮጵያ – 37%
  14. ሶሻል ዴሞክራቲክ ፓርቲ ኢትዮጵያ – 48%
  15. ፓርቲ ናፅነትን ማዕርነትን -48%
  16. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ሞቻ -72%
  17. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ – 79%
  18. ፌደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ- 43%
  19. ምንቅስቓስ ውድብ ሰላምን ዴሞክራሲን ህዝቢ ቤኒሻንጉል – 48%
  20. ፍትሓዊ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ህዝቢታት ዓፋር – 53%
  21. ፓርቲ ሓዱሽ ትውልዲ – 64%
  22. ፓርቲ ብሔራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ- 38%
  23. ዴሞክራሲያዊ ግንባር ህዝቢ ዎላይታ- 99%
  24. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ህዝቢ ቁጫ – 100%
  25. ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ – 38%
  26. ብሔራዊ ምንቅስቓስ ዎላይታ – 96%
  27. ፓርቲ ብልፅግና – 78%
  28. ህዝባዊ ወያናይ ፓርቲ ኢትዮጵያ – 39 %
  29. ግንባር ናፅነት ኦሮሞ – 47%
  30. ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢ ሃድቾ ሲዳማ – 71%
  31. ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓይሊ ኣምሓራ- 45%
  32. ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጋምቤላ -93%
  33. እናት ፓርቲ – 47%
  34. ባልደራስ ነንሓቀኛ ዴሞክራሲ- 64%
  35. ዴሞክራቲክ ፓርቲ ቦሮ ( በቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ዝተመዘገበ)
  36. ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲ ሉአላዊነት
  37. ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ብሄረሰብ ኣርጎባ (ትሑት ቁፅሪ ዘለዎ ብሄረሰብ ፓርቲ)
  38. ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢ ኣርጎባ (ትሑት ቁፅሪ ዘለዎ ብሄረሰብ ፓርቲ)
  39. ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢታት ዶንጋ (ትሑት ቁፅሪ ዘለዎ ብሄረሰብ ፓርቲ)
  40. ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ መድረኽ ( ግንባር ስለዝኾነ ክታም ከቕርብ ዘይግበኦ)

ከይዲ ምፅራዮም ዝተዛዘመ ይኹን እምበር መለክዒታት ቴክኒክ ዝተረፎም ፓርቲታት

  1. ህዳሴ ፓርቲ
  2. ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
  3. ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ህዝቢታት ካፋ
  4. ዴሞክራሲዊ ፓርቲ ራያ ራዩማ
  5. ሓድነት ፓርቲ ሲዳማ
  6. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዓሲምባ
  7. ብሔራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ

ከምዝኾኑ ቦርድ መረፃ ምውሳኑ፥ ንዜጋታት፣ ንመራኸብቲ ሓፋሽን ንዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን የፍልጥ።

የኢትዮጵያ ብሔራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ

13 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment