125 ሓደሽቲ ከተማታት ገፀር ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 125 ሓደሽቲ ከተማታት ገፀር ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሽፈራው ተሊላ÷ ኣፈፃፅማ ትልሚ ስራሕ 2015 ዓ.ም እቲ ግልጋሎት ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ÷ እቲ ግልጋሎት ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 35 ቢሊየን 458 ሚሊየን ብር ከምዝተኣከበ ገሊፆም፡፡

እቲ ኣታዊ÷ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ናብ 45 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ንምዕባይ ከምዝተሓሰበ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ኣወሃህባ ግልጋሎት ብዝበለፀ ንምዝማንን ተበፃሕነት ንምስፋሕን ስራሕቲ ሪፎርም እናወገነ ከምዝርከብ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

13 ሪጅናት፣ 26 ዲስትሪክታት፣ 582 ግልጋሎት መውሃቢ ማእከላትን 6 ሺሕን 448 ሳተላይት መፍለዪታትን ብምውዳብ ንዓማዊል ግልገሎት ከምዝሃበ ፀሪሖም፡፡

600 ሺሕ ሓደሽቲ ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓማዊል ተበፃሒ ንምግባርን 100 ሓደሽጺ ከተማታት ገፀር ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባርን ከምዝተሃቀነ እውን እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment