125 ሓደሽቲ ናይ ገፀር ከተማታትን መንደራትን ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ኮይነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኤሌክትሪክ ኣብዘይበፅሐለን ከተማታትን መንደራትን ፍትሓዊ ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ጋህዲ ንምግባር ብዙሓት ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2014 125 ሓደሽቲ ናይ ገፀር ከተማታትን መንደራትን ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፁ፡፡

ኣገልግሎቱ ንኹሎም ዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር ካብ 1997 ዓ.ም ጀሚሩ ሃገር ፕሮግራም ለኸ ቀረብ ኤሌክትሪክ ብምሕንፃፅ ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ዝፀንሐ እንትኸውን፥ እቲ ፕሮግራም ቅድሚ ምጅማሩ 667 ናይ ገፀር ከተማታት ጥራሕ ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ነይረን፡፡

ይኹን እምበር ካብ 1998 ዓ.ም ጀሚሩ ብዝተገበረ ልዑል ፍትሓዊ ኤሌክትሪክ ናይ ምብፃሕ ስራሕ ክሳብ 30 መጋቢት 2014 ዓ.ም 7 ሺሕን 892 ናይ ገፀር ከተማታትን መንደራትን ተጠቃሚ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ምግባር ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment