110 ኣባላት ሸኔ ብሰላማዊ መገዲ ኢዶም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት እናንቀሳቐሱ ዝነበሩ 110 ኣባላት ግብረ ራዕዲ መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ሳላም ብምቕባል ኢዶም ሂቦም።

ምምሕዳር እቲ ዞባ ከምዝሓሮ÷ ሓይሊታት ፀፅታ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ኣብ ዝንቀሳቐሱ ኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝተዋደደ ስጉምቲ እናወሰዱ ይርከቡ፡፡

ብተወሰደ ዝተጠናኸረ ስጉምቲ ድማ 2 ሺሕን 237 ኣባላት ሸኔ እንትድምሰሱ÷ 89 ዝኾኑ ድማ ከምዝተማረኹ ተገሊፁ፡፡

ተመሳሳሊ 110 ኣባላት ሸኔ መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ብምቕባል ብሰላም ኢዶም ከምዝሃቡ ተሓቢሩ፡፡

ብኻእ መዳይ ኣባላት እቲ ግብረ ራዕዲ ማሕበረሰብ ንምስቓይ እናተጠቐሙሉ ዝነበሩ ብዙሕ ኣፅዋር ከምዝተትጋዙ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment