100 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ትግራይ ምእታዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንዘበነ ምህርቲ 2016/17 ካብ ዝተሓተተ 900 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ እቲ 100 ሺሕ ናብቲ ክልል ምእታዉ ተገሊፁ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልለ ኣይተ ኣለም ብርሃን ሃሪፈዮ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ነቲ ዘበነ ምህርቲ እታዎት ዝኸውን ዘበናዊ ዱኽዒ ቀዲሙ ምብፅሑ ንሕቶ ሓረስቶት ምላሽ ኣብ ምሃብ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ዝተረፈ እታዎት ብእዋኑ ንክበፅሕ ምስ ሚኒስትር ግብርና ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ተሽከርከርቲ ነቲ ዝተረፈ እታዎት ፅዕነን ናብቲ ክልል ምጉዓዝ ከምዝጀመራ እውን ሓቢሮም።

እታዎታት ሕርሻ ቀዲሞም ንክኣትዉ ንዝተገበረ ምትሕብባር ዘመስገኑ እቶም ምክትል ሓላፊ፥ ካልኦት ናውቲታት ልምዓት ግብርናን ሜካናይዜሽንን ንሓረስቶት ንክበፅሑ ብምግባር ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ድርቂ ንምክልኻል ንዝስራሕ ስራሕ ኣበርክቶ ምግባር ከምዘድሊ ገሊፆም።

ብሰለሞን ይታየው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment