10 ጠበንጃን ኣስታት 2 ሺሕ ጠያይቲን ሓቢኡ እንተጎዓዕዝ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)10 ጠበንጃን ኣስታት 2 ሺሕ ጠያይቲን ሓቢኡ እንተጎዓዕዝ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ተወካሊ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ለጋምቦ ምክትል ኢንስፔክተር መሓመድ ኣደም፥ 10 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም በዝተገበረ ክትትልን ተፍቲሽን ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኲናት ኣብ ቁፅፅር ምውዓል ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

መበገሲኣ ደሴ ብምግባር ናብ ወግዲ ኣብ ምዃድ ዝነበረት  ኤፍ ኤስ አር ዝዓይነታ መኪና፥ ኣገዳ፣ ዘይቲን ካልኦት ሸቐጣትን ብምፅዓን እቲ ዘይ ሕጋዊ ኣፅዋር እውን እንትተጓዓዕዝ ኣብ ከተማ ኣቀስታ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለት ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ዘይሕጋዊ ኣፅዋር መሊሱ ሀዝቢ ዘጥፍእ ብምዃኑ ሕብረተሰብ ንሓይሊታት ፀፅታ ሓበሬታ ነክህብ ፖሊስ ፃውዒት ምቕራቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን እቲ ወረዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment