10 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ከይዲ ህንፅት ምስንዳእ ኤክስፖ ዱባይ 2020 ንኽሳተፉ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ኤክስፖ ዱባይ 2020 ዝካየደሉ ቦታ ተረኺቦም ኩነታት ምድላው እቲ ኤክስፖ ዑደት ኣካይዶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ጉጅለ ልኡኾምን፥ ሎሚ መዓልቲ “ዱባይ 2020” ተባሂሉ ንዝፅዋዕ ኤክስፖ እናተገበሩ ዝርከቡ ቅድመ ምድላዋት ተዓዚቦም ኢዮም።

ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ኤክስፖ፥ 10 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ኣትዮም ንኽሳተፉ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ድሕሪ እቲ ዑደት ገሊፆም።

ኣብ ኤክስፖ ዱባይ 2020 ኢትዮጵያ ባህላን ፍርያታን ክተፋልጥ ከምዝተፈቐደላ እውን ዕላዊ ገይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ኢትዮጵያ ኤክስፖ ኣፍሪካ ንምድላው ዘቕረበቶ ፕሮፖዛል ብሕብረት ኣፍሪካ ተቐባሊነት ከምዝረኸበ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን ከምዝዳሎ ትፅቢት ዝግበረሉ ኤክስፖ ኣፍሪካ፥ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ እቲ ዘዓበየ ኤክስፖ ከምዝኸውን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ብዝምልከት፥ ሕጋዊ ፍቓድ ሰነድ ዘይብሎም ዜጋታት ዘለዉዎም ፀገማት ንኽፍትሑ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ እውን ኣብቲ ዝሃቡዎ መብርሂ ኣፍሊጦም።

ኢቲ ኤክስፖ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ዝኽፈት እንትኸውን፥ ካብ ዓለም ዝዓበየ ኤክስፖ ክኸውን ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ድማ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክፍቲ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ።

ብኣልኣዛር ታደለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment