ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ጡጥ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሚኒስቴር ሕርሻ መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ጡጥ ኣይተ ሳምሶን ኣሰፋ ከምዝገለፁዎ÷ ንልምዓት ጡጥ ከም ገዋኔ፣ መተማ፣ ሑመራ፣ ጋሞ፣ ጎፋ ወላይታን ደቡብ ኦሞን ዝበሉ ቆላማ ንብረት ኣየር ዘለዎም ከባቢታት ተመረፅቲ ኢዮም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባታት ክልላት ጋምቤላን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ከምኡ እውን ሰፋሕቲ ሕርሻ ጡጥ ከምዝለምዑ ኣብሪሆም።
ኣብ ዘበነ ምህርቲ እዚ ዓመት ኣብ 107 ሺሕ ሄክታር መሬት ጡጥ ናይ ምልማዕ ስራሕ ከምዝተሳለጠ ብምግላፅ፤ ካብ ሞንጎ እዚ 6 ሺሕን ሄክታር ብመስኖ ከምዝለምዐ ገሊፆም።
ካብ ዝተኣከበ 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ኩንታል ፍረ ጡጥ እቲ 65 ሺህ ሜትሪክ ቶን ዝኸውን ብምልኣም ናብ ዕዳጋ ድሉው ምግባር ከምዝተኽኣለ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።