1 ሺሕን 900 ዓመታት ዘቑፀሩ ናይ ጥንቲ ሮማውያን ወታደራት መገልገሊ ናውቲ ኣብ እስራኤል ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)1 ሺሕን 900 ዓመታት ዘቑፀሩ ናይ ጥንቲ ሮማውያን ወታደራት ይጥቀሙሎም ዝነበሩ መገልገሊ ናውቲ ኣብ በዓልቲታት እስራኤል ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

በዓል መዚ ጥንታዊ ሓድጊታት እስራኤል ከምዝሓበሮ÷ ኣርኪኦሎጂስታት ኣብ ከባቢ ጠረፍ ምዉት ባሕሪ እስራኤል ዝርከብ በዓልቲ ብዝገበሩዎ ኣለሻ ናይ ጥንቲ ሮማውያን ወታደራት ዝግልገሉሎም ዝነበሩ ጎራዴን ፒለም ዝተብሃለ መሳርሒን ተረኺቡ፡፡

ኢን ጌዲ ኣብ ዝተባህለ ተፈጥሮኣዊ ጥቡቕ ቦታ ዝተረኸቡ እቶም ጥንታዊ ጎራዴታት÷ ብዕንጨይቲን ቆርበትን ተጠቕሊሎም ን1 ሺሕን 900 ዓመታት ከምዝፀንሑ ተገሊፁ፡፡

ዳይሬክተር ፕሮጀክት መፅናዕቲ በረኻ ይሁዳ ኢታን ክላይ÷ እቶም መሳርሒታት ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ኲናት ወታደራት ኣይሁድ ካብ ሮማውያን ወታደራት ብምምራኽ ከምዝወሰዱዎምን ካብኡ ድማ ኣብ በዓልቲ ከምዝሓብኡዎምን ግምት ኣቐሚጦም፡፡

እቶም መሳርሒታት ኤን ጌዲ ኣብ ዝተብሃለ ጥቡቕ ቦታ ተፈጥሮ ኣብ ዝርከብ በዓልቲ ምርካቦም ነዚ መረዳእታ ክኸውን ከምዝኽእል ኢታን ክላይ ተዛሪቦም፡፡

ኣበይ፣ ብመንን መዓዝን ዝተሰርሑ ጦር መሰሳርሒታት ምዃኖም ንምፍላጥ ተወሳኺ ምርመራ ከምዝግበር ምግላፆም ሲኤንኤን ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment