1 ሺሕን 187 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 187 ኢትዮጵያውያን ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ናብ ሃገሮም ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ ዜጋታት 57 ህፃናትን እንትኾኑ፥ 358 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝኾና ተገሊፁ፡፡

ተመለስቲ ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ናብ ዝተሰናደአሎም ግዚያዊ መዕረፊ ክኸዱ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ ቁፅሮም ልዕሊ 18 ሺሕን 280 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ምምላስ ተኻኢሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment