1 ሺሕን 181 ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰለስተ ዙር በረራ ኣብ ስኡድ ዓረብ ኣብ ፀገም ዝነበሩ ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ 1 ሺሕን 181 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝመለሱ ተገሊፁ፡፡

ዝተመለሱ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ እንትኾኑ÷ እቶም 4ተ ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰገናት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ንተመለስቲ ዜጋታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲን መፅንሒ ማእኸላትን ግቡእ ክንንክንን ሓገዝን ብምግባር ናብ ቤተሰብ ናይ ምፅምባር ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment