1 ሺሕን 155 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ከምዝቐፀለ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ ካብ 4 ክሳብ 27 ሕዳር 2017 ዓ.ም 1 ሺሕን 155 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ተሓቢሩ፡፡

ተመለስቲ 446 ደቂ ተባዕትዮ፣ 631 ደቂ ኣንስትዮን 78 ዕሸል ህፃናትን እንትኾኑ÷ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ 218 ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰገናት ከምዝርከቡዎም ተገሊፁ፡፡

ንተመለስቲ ዜጋታት ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ምግባርን ናብ ስድረኦም ናይ ምፅምባር ስራሕ እናተወገነ ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment