1ይ ስሩዕ ጉባኤ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተኻየደ ዝፀንሐ ቀዳማይ ስሩዕ ጉባኤ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ።

እቲ ጉባኤ÷ “ንምዕባለ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዝተግህ መንእሰይ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ካብ 21 ክሳብ 25 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተኻየደ ፀኒሑ፡፡

ካብ መላእ ክልላት ኢትዮጵያ ኣባላት እቲ ሊግ ዝኾኑ መነእሰይ ብፍትሓዊ ውክልና ዝተሳተፉሉ ጉባኤ ከምዝነበረ ተገሊፁ፡፡

ስሩዕ ጉባኤ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ምዝዛሙ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment