ፖሊስ ፌዴራል 139 መበገሲታት ሓደጋ ባርዕ ብፎረንሲክ ብምፅራይ ውፅኢቱ ዕላዊ ገይሩ

አዲስ አበባ፣ የካቲት 15፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 139 መበገሲታት ሓደጋ ባርዕ ብፎረንሲክ ብምፅራይ ውፅኢቱ ዕላዊ ገይሩ።

ፖሊስ ፌዴራል ንሓታቲ ኣካል ምርመራታት ፎረንሲክ ብምግባር ንምርግጋፅ ፍትሒ ርኡይ ግደ ከምዝተፃወተ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት ብብርኪ ሃገር ዘጋጠሙ መበገሲታት ሓደጋ ባርዕ ብዘበናዊ መሳርሒታት ፎረንሲክ ብምፍላይ ዕላዊ ከምዝተገበረ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ብምኽኒያት ፀገም ቴክኒክ ኢሌክትሮኒክስ 73፣ መካኒካል 19፣ ኢንሹራንስ ንምርካብ 15፣ ብሸለልትነት 15 ከምኡውን ብኻልኦት ምኽኒያታት 8 ሓደጋታት ከምዘጋጠሙ ተሓቢሩ።

ካብቶም ብብርኪ ሃገር ዘጋጠሙ ሓደጋታት እቶም 130 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘጋጠሙ ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment