ፖሊስ ፌዴራል ስራሕቱ ንምዝማን ምስ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ስምምዕ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ኮሚሽነር ጄነራል ፖሊስ ፌደራል ነብዩ ዳኜ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እንግሊዝ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ፥ ንኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ሕብረት ኣፍሪካን ወታደራዊ ኣታሼ እንግሊዝ ምስ ዝኾኑ ኮሎኔል ጉስ ማክገሊቨርን ምስ ኣማኻሪ ኣፍሪካ ውሃቢ ሓገዝ ሳላም እንግሊዝ ስቲቭ ኦዴንግን ትገበረ ኢዩ።

ሰብኣዊ ድሕንነት ንምሕላው፣ ኣገልግሎት ፖሊስ ንምዝማን፣ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ምክልኻል ገበንን ስራሕቲ ምርመራ ገበንን ክህሉ ንምግባር ዝዓለመ ዘተ እንትኸውን፥ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ፖሊስ ብምሕጋዝ ሓቢርካ ንምስራሕ ስምምዕነት ተገይሩ፡፡

ኮሚሽነር ጄነራል ነቢዩ ዳኜ፥ ስራሕ ፖሊስ ንናይ ውልቀ ዜጋታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ወዲ ሰብ ገበን ከየጋጥሞን ብሰላም ንኽነብርን ቀትሪን ለይቲን ዝስረሐሉ ዓቢዩ መስዋእትነት ዝሓትት ተግባር ከምዝኾ ተዛሪቦም።

ንሰላም ክበሃል ካብ ካልኦት ሃገራት ልምዲን ተሞክሮን ብምውሳድ ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣገልግሎት ፖሊስ ኣብ ምድንፋዕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እውን ኣብሪሆም፡፡

መንግስቲ እንግሊዝ ብመንፅ ምጉልባት ክልተኣዊ ርክብ ቅድሚ ሕዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላምን ምክልኻል ገበንን ንዝገብሮ ሓገዛት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፁ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment