ፖሊስ ፌዴራል ማሕር ነበር ኣባላት ሰራዊት ንኽጠናኸር ሓገዝ ክገብር ኢዩ – ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ማሕር ነበር ኣባላት ሰራዊት ንኽጠናኸር ሓገዝ ከምዝገብር ኮሚሽነር ጄኔራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ገሊፆም፡፡

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ኣባላት ማሕበር ነበር ሰራዊትን ልምዓት ሓገዝን ተዛቲዩ።

ላዕለዋይ ሓላዊ እቲ ማሕበር ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ዘበናዊ ፖሊስ ሰራዊት ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግደ ነበር ኣባላት ሰራዊት ዕዙዝ ኢዩ፡፡

ነበር ኣባላት ፖሊስ ሰራዊት ዝኻዕበተ ልምዲን ፍልጠትን ዘለዎም ስለዝኾኑ ኣብ ህንፀት ትካልን ሰራዊትን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝህልዎም ኣልዒሎም፡፡

እቲ ማሕበር ቅድሚ ሕዚ ሃገሮም ኣገልጊሎም ጡረታ ዝወፅኡ ኣባላት ከምዝኣከቦም ብምሕባር፥ እቶም ኣባላት ዘለዎም ልምዲን ዓቅሚን ሕዚ ንዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ኣብ ምክፋል ግደኦም ንኽዋፅኡ እውን ሓቲቶም፡፡

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ስራሕቲ ሪፎርም ብዝሐሸ ኩነታ እናተወገነ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ኮሚሽነር ጄኔራል፥ ዘበናዊ ፖሊስ ሰራዊት ንምህናፅ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ብታሪኩ ወ/ሰንበት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment