ፖሊስ ፌዴራልን ኤጀንሲ ብሄራዊ ገበን ብሪታኒያን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያን ኤጀንሲ ብሄራዊ ገበን ብሪታኒያን ኣብ ምክልኻል ገበን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

ብኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ብሪታኒያ ዑደት ስራሕ ኣሳሊጡ።

ድሕሪ እቲ ዑደት መስ ኣመራርሓ ኤጀንሲ ብሄራዊ ገበን ብሪታኒያን ዘቲዮም።

ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ኣብ ምክልኻል ዝጠመተ ዘተ ገምዝገበሩ ድማ ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ፖሊስ ፌዴራል ገበን ንምክልኻል ዘኽእልዎ ዓቕሚታት ቴክኖሎጂ ክብ ብምባል ዘመዝገቦም ውፅኢታት ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ኣብሪሆም።

ዳይሬክተር ጄኔራል እቲ አኤጀንሲ  ዴቪድ ሃከር በግደኦም፥ ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ንምክልኻል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ማእኸል ሬድ ፎክስ ብቴክኖሎጂን ስልጠናን ከምዝድግፍ ኣረጋጊፆም።

ብተወሳኺ ንኣመራርሓን ኣባላትን ፖሊስ ኣብታ ሃገር ዕድል ትምህርቲ ንምሃብ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment