ፖሊስ ፌደራል 7 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት በጀት ዓመት 2016 7 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡

እቲ ትካል ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ገምጊሙ፡፡

ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል መላኩ ፋንታ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ÷ ሰላምን ድሕንነትን እታ ሃገር ዝህውኹን ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከይንቀሳቐሱን ዝገብሩ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም ኣብ ምቁፅፃር ብዙሓት ተግባራት ተወጊኖም፡፡

ኣብ ዝተፈለሰለዩ ከባቢታት ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ትካላት ፀፅታን ብምውዳድ ብዝተገበሩ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ኦፕሬሽን ብዙሕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም፡፡

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዓበይቲ ፋብሪካታት፣ መፈልፈሊ ሓይሊ ሃይድሮ ኤሌክትሪክ፣ ፓርክታት ኢንዱስትሪን ካልኦት ብዙሓት ትካላት ፌደራልን ንምሕላው ዝተገበረ ፃዕሪ ዕዉት ከምዝነበረ ኣልዒሎም።

ምንቅስቓስ ኮንትሮባንድ ንምክልኻል ብዝተገበረ ምንቅስቓስ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment