ፖሊስ ፌደራል ኣብ ምክልኻል ገበን ስልጠና ዝወሰዱ ኣባላት ፖሊስ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ኣዋሽ ሰባት ንነዊሕ እዋን መሰረታዊ ኣካዳሚ ስልጠና ዝሃቦም ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ምክልኻል ገበንን ኣድማ ብተናን ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ፌዴራል ምክትል ኮሚሽነር ዋና መምርሒ ፀፅታን ሓለዋን ኣበራ ሁንዴ÷ ተመረቕቲ ኣመራርሓን ኣባላትን ፖሊስ ስልጠነኦም ብግቡእ ተኸታቲሎም ብብቕዓት ዝዛዘሙን ብግቡ እዝሓለፉን ከምዝኾኑ ገሊፆም።

“ሰላምን ፀፅታን ሃገርና ኣብ ምርግጋፅ መምርሒ ምኽባር ሕጊ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ብጅግንነት፣ ግልፅነት፣ ቅንዕናን እናገልገልኩም ፀኒሕኹም፤ ግቡእኹም ብፅቡቕ ስነ ምግባር ፈፂምኩም፤  ናብ ቀዳማይ ሞያ ፖሊስ ኣድማ ብተና ብምምላስ ንቐፃሊ ሃገራዊ ልኡኽቶ ዝተሰናዳእኹም ስለዝኾንኩም ክትኮርዑ ይግበአኩም” ኢሎም።

“ኣብ ቀፃሊ ዝፅበዩኹም ግቡኣት ብብቕዓት ንምውፃእ ቆራፅነት ዝሓትት ብምዃኑ÷ ሞያዊ ስነ-ምግባር ዝተላበሰ ፖሊሳዊ ጭዋነት ካብ ዝኾነ ይኹን ወገናዊነት ሃይማኖት፣ ዓሌትን ፖለቲካን ዝነፅሀ ኣገልግሎት ፖሊስ ንመሃብ፤ ካብ ፖሊስ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኣድማ ትፅቢት ይግበር” ምባሎም ካብ ፌደራል ፖሊስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ተመቕቲ ኣብ ፃንሒቶም÷ ኣብ እዋን ኣድማ ኣተሓላልዋ ትእዛዝ፣ ኣወሳስዳ ተመጣጣኒ ስጉምቲ፣ ከባቢታት እምነት ፣ ኣቢያተ ትምህርቲን ሆስፒታላትን ብኸመይ ካብ ኣድማ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ከምዝግባእ፣ ኣሰላልፋን ኣጠቓቕማ ተተኮስቲ መሳርሒታት፣ ትምህርቲ ፖሊሳዊ ሰነ-ምግባር፣ ትምህርቲ ሕገ-መንግስቲ፣ ትምህርቲ ምክልኻል ገበንን ስልጠና ኣካል ጥብካረን ከምዝወሰዱ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment