ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣናእሽተይን ቀለልቲን ጦር መሳርሒታት ኣወጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣናእሽተይን ንኽውገዱ ብመፅናዕቲ ዝፈለዮም ቀለልቲን ጦር መሳርሒታት ኣወጊዱ።

ከይዲ ምውጋድ እቶም ኣፅዋር÷ ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ከምኡ እውን  ዝተፈላለዩ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝተሳለተ ተገሊፁ፡፡

ተጠባባቒ ምክትል ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ሓጋዚ ኮሚሽነር ተሻለ ሚቆሬ÷ “ሎሚ መዓልቲ ዝተወገነ ተግባር ምምሕዳርን ቁፅፅርን ጦር መሳርሒታት ንምትግባር ካብ ዝውገኑ ብዙሓት ስራሕቲ ሓደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ምምሕዳርን ቁፅፅርን ጦር መሳርሒታት ተግባራዊ ንምግባር ዓለም ለኸ ማዕቐፋት ሕጊ ዝተቐበለትን ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ዝዘርገሐትን ከምዝኾነት ፀሮሖም፡፡

በዚ ድማ “ኣብ ረብሓ ዘይውዕሉ ተር መሳርሒታት ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ቅድሚ ምብፀሖም ብኸምዚ መልክዑ ምውጋድ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment