ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታት ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል ሸሞንተ ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሩ።
እቲ ሓገዝ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቦረና፣ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶን ክልል ሶማሌን ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል ከመዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል እቲ ሓገዝ ንተወከልቲ ኣብ ዘረከቡሉ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ሰራዊት ፖሊስ ፌዴራል እቲ ፀገም ከም ናቱ ቆፂሩ ብድሌቱ ካብ መሃይኡ ኣዋፂኡ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝገበሮ ሓገዝ ኢዩ፡፡
ኣብ ቀፃሊ ብድርቂ ዝተጎድኡ ዜጋታት ካብ ፀገም ወፂም ናብ ዘላቒ ልምዓት ክሳብ ዝኣትዉ ሓገዝ ብምግባር ድሉዋት ኢና ምባሎም ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube