ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ምስ ብሄራዊ ዩኒቨርሲቲ ፎረንሲክ ሳይንስ ህንዲ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ዩኒቨርሲቲ ፎረንሲክ ሳይንስ ህንዲ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ትምህርቲ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ተሻለ ተሾመ÷ እቲ ስምምዕነት ኣብ ጉዳያት ትምህርቲን ስልጠናን፣ ህንፀት ዓቕሚ መምህራንን ምምኽራን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዙሓት ማእኸላት ልህቀት ብምጥያሽ ኣብ ህንዲ ልዕሊ ሸሞንተ ካምፓሳት ብምኽፋት ስራሕቲ ምምሃር፣ ምስልጣን፣ ምርምርን ምምኻርን እናወገነ ከምዝኾነ ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ልዕሊ 80 ሃገራት ተምሃሮ ብዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ብስኮላርሽፕ ተቐቢሉ እናምሀረ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ እናህነፆ ዝርከብ ኮሌጅ ፎረንሲክ ሳይንስ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕን ማእኸል ልህቀት ንምግባርን ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ብሄራዊ ዩኒቨርሲቲ ፎረንሲክ ሳይንስ ህንዲ ቴክኒካዊ ሓገዝ ንምግባር፣ ንምምኻር፣ ዓቕሚ መምህራንን ሰብ ሞያን ኣብ ምህናፅ ሓገዝ ክገብር ኢዩ ተባሂሉ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment