ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ቅድሚ ሕዚ እናተጠቐመሉ ዝነበረ ኣርማ ከምዝቐየረ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን ከምዘፍለጦ ሓዱሽ ኣርማ ካብ 2 ጳጉሜ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል ተፈፃሚ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ፡፡
ኣብቲ ክልል ቅድም ክብል ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል እናተጠቐመሉ ዝነበረ ኣርማ ፖሊስ ዝሰነቖ ራኢን ልኡኽቶን ከምኡ እውን እቲ ኮሚሽን ሎሚ ዝበፅ ብርኪ ዕቤት ዘንፀባርቕ ምዃኑ ኣርምኡ ንምቕያር ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ብሓዱሽ መልክዑ ዘውፀኦም እሴታት ኣብቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ስለዘይርከቡ ንምቕያር ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ሓዱሽ ኣርማ ምስቲ ነባር ኣርማ ጎድና ጎድኒ ምጥቃም ዝከኣል ክሳብ 6 ወርሒ ጥራሕ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ጉዳያት መንግስቲ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።