ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዶም ስራሕቲ ለውጢ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2016 ዓ.ም ዘካየዶም ስራሕቲ ለውጢ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ባጀት ዓመት 2016 ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንዝነበሮም ኣመራርሓ፣ ኣባላትን እቲ ልኡኽ ነክፍፀም ልዑል ኣበርክቶ ንዝነበሮም ኣካላትን መርሃ ገብሪ ኣፍልጦ ኣካይዱ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ሃገራዊ ስራሕቲ ለውጢ ስዒቡ ዓውዲ ፀፅታን ድሕንነትን ግዙፍ ለውጢ ዝተርኣየሉ ኢዩ ኢሎም።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እውን ቴክኖሎጂ በምዕጣቕ፣ ድሕንነት ዜጋታት ብምሕላውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ብምትግባርን ዕዉት ውፅኢት ኣመዝጊቡ ኢዩ ከብሉ ገሊፆም።

ሰላምን ድሕንነትን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምሕላው እውን ኣብ ሃይማኖታዊን ሀዝበዊን በዓላት ብዘይምንም ስግኣት ፀፅታ ብሰላም ተኸቢሮም ምሕላፎም ኣዘኻኺሮም።

ብፅንፈኛ ሓይሊ ዝተተለመ ተግባር ግብረ ራዕዲ ምፍሻል ምኽኣሉ ናይዚ መርኣያ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ባጀት ዓመት 2016 ዘካየዶም ስራሕቲ ለውጢ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ብወንድሙ ኣዱኛ

Comments (0)
Add Comment