ፖሊስ ኢትዮጵያ ገበን ኣብ ምክልኻል ካብ 39 ሃገራት 3ይ ኮይኑ – መፅናዕቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኢትዮጵያ ገበን ኣብ ምክልኻል ካብ ትካላት ፖሊስ 39 ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝተቐመጠ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ።

መቐመጢኡ ኣብ ጋና ኣክራ ዝገበረ ኣፍሮ ባሮሜትር ዝተባህለ ትካል ኣብ ዙሪያ ኣወሃህባ ግልጋሎት ፖሊስ ኣብ 39 ሃገራት ኣፍሪካ ብዘካየዶ ዳህሳስ መፅናዕቲ፤ ፖሊስ ኢትዮጵያ ካብ ሞሮኮን ታንዛኒያን ቀፂሉ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ፡፡

ፖሊስ ኣብ ለዕሊ ተጠርጠርቲ ገበን ተመጣጣኒ ዘይኮነ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ብዝምልከት÷ ካብ ሲሼልስ፣ ማዳጋስካርን ሞሪታኒያን ቀፂሉ ራብዓይ ደረጃ ከምዝሓዘ ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ትካል ፖሊስ ዝፈጠሮ እምነት ህዝቢ ኣመልኪቱ ብዝገበሮ መፅናዕቲ፤ ፖሊስ ኢትዮጵያ ካብ 39 ሃገራት ኣፍሪካ መበል 12 ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡

ፖሊሳዊ ሞያ መሰረት ገይርካ ብምስራሕ መሰል ዜጋታት ኣኽቢርካ ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ድማ ኣብ መበል 13 ደረጃ ይርከብ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment