ፖሊሲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ተግባራዊ ንምግባር ዓውዲ ውልቀ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊሲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ተግባራዊ ንምግባር ዓውዲ ውልቀ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ምስ ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ንምስራሕ ዘኽእል ዘተ ኣሳሊጡ።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፥ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ከብ ንምባል ናብ ስራሕ ዝኣተወ ሓዱሽ ፖሊሲ ተግባራዊ ንምግባር ዓውዲ ውልቀ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ዘበናዊን ተወዳዳሪን ዝኾነ ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ብምጥቃም ናይ ፖሊሲ መፈፀሚ ንምግባር ብሓባር ምስራሕ የድሊ እውን ተባሂሉ።

ብፍላይ ኣብ ተካኢ ፍሪያት፣ ኣጠቐቕማ ዓቕሚ ስሪያትን ክብሪ ብምውሳኽ ሰደድ ንግዲ ክብ ምባልን ጠመተ ብምግባር ብሓባር ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

Comments (0)
Add Comment