ፖሊሲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኣብቲ ዓውዲ ጥንንኩር ሃገራዊ ዓቕሚ ክፈጥር ዝኸኣለ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ ኣፈፃፅማ ፖሊሲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኣድሂቦም ልዝብ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዘተ ዓለም ለኸ ምትእስሳር ብምፍጣር ሃገራዊ ዘፈር ሳይንስን፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ሃፍቲ ሰብን ሓበሬታን ብምልማዕ፣ ዘበናዊ መበረታትዒ ስርዓት ፋይናንስ ብምፍጣር መደላድል ክኸውን ዝኸኣለ ፖሊሲ ከምዝኾነ እውን መርኣያ ዝኾና ትካላት ተፈጢረን ኢየን ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣህመዲን መሓመድ ሓደሽቲ ነገራትን ክፈጥር ዝኽእል ወለዶ ምፍጣር፣ ፍርያትን ፍርያታውነትን ዘጠናኽር ኣሰራርሓንምብርታዕ፣ እታወት ሓዊስካ ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝቐርቡ ፍርያታት ተዋዲድካ ምስራሕን ብብርኪ ዓለም ኣብቲ ዓውዲ ተወዳዳሪ ብምዃን ምስራሕ ቀፃሊ ቤት ዕዮ ዝኾኑ ጉዳያት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ፖሊሲ ዝተቐመጡ ኣንፈታት ተግባራዊ እንትኾኑ ውፅታዊ ዘፈር ትካላት ምርምርን ግልጋሎትን ብምፍጣር ጭቡጥ ለውጢታት ምርኣይ ከምዝተኽለ እውን ኣብቲ ዝተኻየደ መድረኽ ከምዝተገለፀ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment