ፖሊሲ መፈፀሚ ስትራቴጂ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምስጓም ወሳኒ ኢዩ – በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምስጓምን ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነትን ንምዕባይ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂና ኢኖቬሽን ፖሊሲ መፈፀሚ ስትራቴጂ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን÷ ኣብ ሰነድ መፈፀሚ ስትራቴጂ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን (ኤስ ቲ ኣይ) ዘሰናደኦ መፅናዕቲ ጠሚቱ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ወርክሾፕ ሰነድ መፈፀሚ ስትራቴጂ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን (ኤስ ቲ ኣይ) ንሚኒስትራት፣ ንላዐለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራል ትካላት ከምኡ እውን ንሓለፍቲ ቢሮ ክልላትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣካላትን ቀሪቡ።

በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ÷ እቲ ፖሊሲ መፈፀሚ ስትራቴጂ ንኢትዮጵያን ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለወን ሃገራት ንምስጋር ዝዓለመ ሃገራዊ ስትራቴጂ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ስትራቴጂ ኩሎም ሴክተሮራት ዝድህስስ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብቲ ዓውዲ ውፅኢታዊ ንምዃን ድሉዋት ንኽኾኑ ምሕባሮም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment