ፖሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ሕርሻ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚያዊ መሪሕ ንኽኸውን ኣኽኢሉ ኢዩ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ፖሊሲ ፖሊሲ ልምዓት ሕርሻን ገፀርን ሕርሻ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ግደ መሪሕነት ንኽዋፃእ ከምዘኽአለ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

መድረኽ ምፍላጥ ሃገር ለኸ ፐሎሲ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ይካየድ ኣሎ።

ግርማ ኣመንቴ ኣብዚ እዋን÷ እቲ ፖሊሲ መፍረያይነት ብምድንፋዕ፣ ድኽነት ብምንካይን ውሕስና ምግቢ ብምርግጋፅን ሕርሻ ግደ መሪሕነት ዕቤት ኢኮኖሚ ንኽዋፃእ ከምዘኽአሎ ገሊፆም፡፡

ሓዱሽ ፖሊሲ ፖሊሲ ልምዓት ሕርሻን ገፀርን ዝተሓንፀፀ ማሕለኻት ብምፍታሕ ዓውዲ ሕርሻ ምስ ካልኦት ዓውዲታት ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ንምትእስሳር፣ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዘላቕነት ንምሕላውን መፍረያይነትን ተወዳዳራይነትን ንምርግጋፅ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም፡፡

ካብ 1994 ዓ.ም ጀሚሩ እናተተግበረ ዝነበረ ፖሊሲን ስትራቴጂን ልምዓት ገፀር ብሓዱሽ ፖሊሲ ፖሊሲ ልምዓት ሕርሻን ገፀርን ዝተተከአ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምፅዳቑ ኢዩ።

ብፍቅርተ ከበደ

Comments (0)
Add Comment