ፕ/ር ቢኒያም ዳዊት ሙዝሙር ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣባል ኮሚቴ መሰል ህፃናት ብምዃን ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮፌሰር ቢኒያም ዳዊት ሙዝሙር ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንካልኣይ ጊዘ ኣባል ኮሚቴ መሰል ህፃናት ብምዃን ተመሪፆም

ፕሮፌሰር ቢኒያም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2015-2017 ናይቶ ኮሚቴ ኣባል ዝነበሩ እንትኾኑ ብኣቦመንበርነት ኢዮም ኣገልጊሎም።

ብተመሳሳሊ ካብ 2013 ክሳብ 2015 ናይቲ ኮሚቴ ምክትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ከምዝነበሩ ተገሊፁ።

ፕሮፌሰር ቢኒያም ኣባል እቲ ኮሚቴ ብምዃን ንክምረፁ ኣብ ጄኔቫን ኒውዮርክን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያታት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝፈፀሙ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ እውን ፕሮፌሰር ቢኒያም ኣባል እቲ ኮሚቴ ብምኻን ብምምራፆም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment