ፕሮፌሽናል ብሽክለተኛ ፅጋቡ ገብረማርያም ካብ ቅድድም ብሽክለታ ክሰናበት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚ ጋንታ ጄይኮ ኣልኡላ ፅጋቡ ገብረማርያም ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ካብ ቅድድም ብሽክለታ ይሰናበት ምህላው ተገሊፁ።

ሓደ ካብ ኣዝዮም ህቡባት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝኾነ ፅጋቡ፥ ንልዕሊ 10 ዓመት ምስ ዝተፈላለያ ዎርልድ ቱር ጋንታታት ክወዳደር ዝፀንሐ እዩ።

ፅጋቡ ካብ ቅድድም ብሽክለታ ዝሰናበተሉ ዘሎ ምኽንያት ምስታ ኣውስትራልያዊት ጋንታ ውዕሉ ከሕድስ ብዘይምኽኣሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ጋንትኡ ጄይኮ ኣልኡላ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ቪድዮ ደቂ ጋንትኡ ናይ ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎምሉ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብ 2012 ናብ ጋንታ ኤምቲኤን ኵቤካ ዝተፀንበረ ወዲ 32 ዓመት ፅጋቡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ ክወዳደር ፀኒሑ እዩ።

ጋዜጠኛ ስፖርት እንግሊዛዊ ዳንኤል ፍሪቢ ንውሳነ ፅጋቡ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ ፅሑፍ፥ “ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ክፋኖ ከሎ ንስፖርት ከም ክሳራ እዩ” ኢሉ።

ፅጋቡ ገበረማሪያም ፈላሚ ፕሮፌሽናል ዓወቱ ኣብ ዙር ታይዋን ዝተጐናፀፈ እንትኸውን፥ ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ተዓዋቲ ቻምፕዮን ክሮኖሜተር ኣፍሪካ ኮይኑ እዩ።

ፅጋቡ 12 ፕሮፌሽናል ዓወታት ከመዝግብ እንከሎ እቲ 10 ኣብ ቻምፕዮና ሃገሩ እዩ።

ኣብ ውድድር ፅርጊያ ኢትዮጵያ ሰለስተ ግዜ፣ ኣብ ናይ ግዜ ውድድር (ክሮኖሜተር) ከኣ ሸውዓተ ሻዕ ተዓዋቲ ምንባሩ ሰነዳት መርበብ ሓበሬታ ፕሮሳይክሊን ስታት የርኢ።

ኣብ 2015 ፈላሚ ናይ ግራንድ ቱር ውድድሩ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ ዘካየደ ፅጋቡ፥ ኣብ 2015፣ 2016፣ 2019ን 2020 ዓ.ም.ፈ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ኣብ 2016፣ 2017ን 2018ን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ተሳቲፉ።

ፅጋቡ ምስ ዎርልድ ቱር ጋንታታት ባሕሬን መሪዳ፣ ሴጋፍሬዶ፣ ሚቸልተን ስኮት፣ ባይክ ኤክስቼንጅን ጀይኮ ኣልኡላን ተፀንቢሩ ዝተወዳዳረ ዝበለፀ ተቐዳዳማይ ምንባሩ ደቂ ጋንትኡ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment