ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ምስ ኣምባሳደር ኒውዚላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ምስ ኣምባሳደር ኒውዚላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ሚካኤል ኡፕቶን ኣብ ጉዳያት ትምህርቲ ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ትንህርቲ ብዛዕባ ዝተጀመረ ፅሬት ትምህርቲ ናይ ምርግጋፅ ስራሕቲ ሪፎርም ተዘራሪቦም፡፡

ምስ መርሃ ግብሪ ምምሕያሽ ትምህርቲ እንግሊዝኛ ተተሓሒዡ እውን ኤምባሲ ኒውዝላንድ ኣብ ስራሕቲ ወለንታ ናይ ባዕሉ ሓገዝ ንኽገብር ፕሮፌሰር ብርሃኑ ሓቲቶም።

ኣምባሳደር ኒውዚላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ሚካኤል ኡፕቶን ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ትምሀርቲ ዘሎ ሪፎርም ብምንኣድ፤ ብብርኪ መምርሒ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ምምሕያሽ ትምህርቲ እንግሊዝኛ ኣብ ዝምልከት እውን ምስ መንግስቲ ሃገሮም ተዘራሪቦም ምላሽ ከምዝህቡሉ ኣፍሊጦም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ሃገሮም ዝህቦም ናፃ ዕድል ትምህርቲ ከምዘስፍሑ እቶም ኣምባሳደር ምግላፆም ካብ ሚኒቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment